Lämna sidan close

ትሕዝቶ:

  • ንዓና ብምርካብካ/ኪ ብጣዕሚ ሕጉሳት ኢና
  • ምሳና ክትዘራረብ/ቢ ድሌት ኣለካ/ኪ ዶ?
  • ናይ ድጋፍ ሰብ
  • cisን transን እንታይ እዩ ትርጉሞም?
  • ብካልኦት ቋንቋታት ዝግበር ደገፍን ሓበሬታን

ንዓና ብምርካብካ/ ብጣዕሚ ሕጉሳት ኢና!

ኣገልግሎታትና ንዕድመ ካብ 10 ክሳብ 25 ዓመታት ዝኾና ኣዋልድ (cis ወይ trans) ወይ ድማ መናእሰይ ትራንስ ውልቀሰባት (ጾታዊ መንነቶም ብዘየገድስ) ዝተመስረተ እዩ። ግን ከኣ እንኮላይ ነቶም ካብዚ ዕድመ’ዚ እትንእሱ ወይ እትዓብዩ ሰባት ምሳና ክትዘራረቡ ንዕድመኩም። 

ብዛዕባ ዝኾነ ደስ ዝብለካ/ኪ ኣርእስቲ ክትዛረብ/ቢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኢኺ። ምናልባት ዝስመዓካ/ኪ ዘሎ ሓጎስ፣ ሓዘን፣ ቁጥዐ ወይ ምድንጋር ይኸውን ዶ? ወይ ምናልባት ኣሉታዊ ዝኾነ ዘጋጠመካ/ኪ ገለ ነገር ይህልው ዶ? ዝተጋነነ ወይ ዘይረብሕ ሓሳብ ወይ ጉዳይ ዝበሃል የለን። ብቋንቋ ስዊዲሽን ኢንግሊዘኛን ሓገዝ ክንህብ ንኽእል ኢና።

ኣብ’ዚ ሆትላይን ንሰርሕ ኩልና ኣዋልድ(cis ወይ trans) ከምኡ’ውን መናእሰይ ትራንስ ሰባት ኢና፣ ኣብ’ዚ ዘለና ድማ ንዓኻ ጽን ኢልና ብተገዳስነት ክንሰምዐካ/ኪ እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ ኩሉ ነገር ድሌትና ስለዝኾነን ምስ ካልኦት ምዝርራብ ገለገለ እዋን ጽቡቕ ስምዒት ከምዝፈጥር ስለንፈልጥ እዩ። ምሳና ከተዕልል/ሊ፣ ኢመይል ክትልእኽ/ኺ ወይ ብኣካል ኣኼባ ክግበረልካ/ኪ ቆጸራ ክትሕዝ/ዚ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ድሌትካ/ኪ እንተኾይኑ፣ መንነትካ/ኪ ብምስጢራውነት ክዕቀበልካ/ኪ ይከኣል ኮይኑ፣ ዝኾነ ኣብ መንጎና ዝተዘርበ ኩሉ ኣብ መንጎና ክተርፍ እዩ።

ብዛዕባ ሲስን ትራንስን ዝያዳ ንምንባብ ኣብ’ዚ ገጽ ትሕት ኢልካ ዝያዳ ሓበሬታ ኣለካ/ኪ።

ምሳና ክትዘራረብ/ ድሌት ኣለካ/

ኣብ ስዊደን ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝነብር ሰብ፣ መንነቱ ከይነገረ ምሳና ከም ዕላል ወይ ብኢመይል ክዘራረብ ይኽእል እዩ። ናይ ውልቅኻ/ኺ ኣኼባ ብኣካል ንምግባር ወይ’ውን ናይ ድጋፍ ሰብ ክንምድበልካ/ኪ ክትሓተና ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ዝኾነ ኣብ’ቲ ሆትላይን ዝሰርሕ ኩሉ ምስጢራውነት ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ኣለዎ።

እቲ መስመር ዕላል ዝኽፈተሉ

ሰሉስ፣ 18-20
ሓሙስ፣ 19-21
ሰንበት፣ 19-21

ዕላል ንምጅማር ነቲ ኣብ ታሕተዋይን የማናይን ኩርናዕ ዝርከብ ኣይኮን ጽቐጥ/ጢ። ዕላልና ብስዊዲሽ እዩ ክኸውን።

ኢመይል ናብ
jour@uppsalattj.se

መልሲ ብኢመይል ብቋንቋ ስዊዲሽን ኢንግሊዘኛን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክንሰድድ እዩ ዕላማና።

ድሌት እንተለካ/ኪ ክትረኽበና/ብና ብኣካል፣ ደዊልካ/ኪ ቆጸራ ምሓዝ ይከኣል እዩ። ንኣባላት ኣወሃሃዲ ክፍሊ ደውል/ሊ፣ እቲ ናቶም መራኸቢ ሓበሬታ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ’ቲ ሆምፔጅ/ home page ይርከብ። እዚ ኣኼባ ብቋንቋ ስዊዲሽን ኢንግሊዘኛን ክካየድ ይከኣል።

ናይ ድጋፍ ሰብ

ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርብ/ቢ፣ ምስ’ቲ ናይ ትምህርትኻ/ኺ ኣማኻሪ ክትዘራረብ/ቢ፣፣ ኣብ’ቲ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ክትረአይ/ኣዪ ወይ ምናልባት ምስ ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣኼባ ክትገብር/ሪ ዲኻ/ዲኺ? ናይ ድጋፍ ሰብ ከሰንየካ/ኪ ድሌትካ/ኪ ድዩ?

ኣብ ውሽጢ ኣፕሳላ ክልል ክሳብ ኮነ፣ ናብ ዝኾነ ቦታ ከነሰንየካ/ኪ ንኽእል ኢና። ንኣባላት ኣወሃሃዲ ክፍሊ ብምድዋል ሓደ ካባና ከሰንየካ/ኪ ድሌት ከምዘለካ/ኪ ሓብር/ሪ። እቲ ናቶም መራኸቢ ሓበሬታ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይ’ቲ ሆምፔጅ/ home page ይርከብ።

ብቋንቋ ስዊዲሽን ኢንግሊዘኛን ዝረዳድኡ ናይ ድጋፍ ሰባት ከነራኽበኩም ንኽእል።

ሲስ/cis ትራንስ/trans እንታይ እዩ ትርጉሞም?

ሓደ ሲስ ውልቀሰብ ማለት ብሕጽር ዝበለ ኣዘራርባ ትራንስ ዘይኮነ ውልቀሰብ ማለት እዩ። ብቀሊሉ ንምርዳእ፣ ሓደ ውልቀሰብ ኣካላቱ፣ ሕጋዊ ጾትኡ ከምኡ’ውን ጾታዊ መንነቱ ብመሰረት እቲ ልምዲ ተመሳሳሊ ዝኾነ ውልቀሰብ ማለት እዩ። ሲስ ጓል ምስ ማህጸን ዝተወልደት ኮይና፣ ኣብ’ቲ ህዝባዊ መዝገብ ከም “ኣንስተይቲ” ዝተመዝገበትን ንነብሳ ከም ጓል-ኣንስተይቲ ትሓስባ ውልቀሰብ እያ። ሲስ ወዲ ምስ መሸኒት ዝተወልደ ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ህዝባዊ መዝገብ ከም “ተባዕታይ” ዝተመዝገበን ንነብሱ ከም ወዲ-ተባዕታይ ዝሓስቦ ውልቀሰብ እዩ።

ንከምዚ ከማና ሓደ ትራንስ ውልቀሰብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንነታት ዝሓዘ ክልስ ሓሳብ እዩ- ክልተኣዊ ከምኡ’ውን ዘይክልተኣዊ ጾታዊ መንነት፣ ብተወሳኺ ድማ መንነቶም ብጾታ ዘይገልጽዎሰባትን። ትራንስ ሰባት ዘመሳስሎም ነገር እንተሎ፣ እቲ ናቶም ጾታዊ መንነት ምስ’ቲ ድሕሪ ልደቶም ዝተወሃቦም ሕጋዊ ጾታ ኣይገጣጠምን ምዃኑ እዩ። ንኣብነት፥ ምስ ማህጸን ዝተወልደ ሰብ፣ ሕጋዊ ጾታ ከም ኣንስተይቲ ክምደብ ይኽእል ይኸውንእንተኾነ፣ ንነብሱ ከም ወዲ ተባዕታይ ከለልዮ ይኽእል። እዚ ሓደ ትራንስ ወዲ እዩ። ወይ ድማ ምስ መሸኒት ዝተወልደ ሰብ፣ ሕጋዊ ጾታ ከም ተባዕታይ ዋላ’ኳ እንተኾነ፣ ንነብሳ ከም ጓል ኣንስተይቲ ከተለልዮ ትኽእል። እዚኣ ሓንቲ ትራንስ ጓል እያ።

ትራንስ ኣዋልድን ትራንስ ኣወዳትን ብልምዲ ከም ክልተኣዊ ጾታዊ መንነት ዝፍለጡ እዮም። ብተወሳኺ ገለገለ ሰባት ጾታዊ መንነቶም ኣይከም ጓል ወይ’ውን ወዲ ዝኾኑ ኣለዉ፣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ ከም ዘይክልተኣዊ ተባሂሎም ይጽውዑ። ዘይክልተኣዊ ጾታ ዝተፈላለዩ መንነታት ይሓቁፍ፣ ከም ኣብነት፥ ክልቲኡ ጾታ ዘለዎ/bigender ወይ’ውን ጀንደርኲር /genderqueer። ሓደሓደ ሰባት ድማ መንነቶም ብመነጸር ጾታዊ ኣረኣእያ ክገልጹ ኣይደልዩን፣ ስለዚ ድማ ዘይክልተኣዊ ጾታ ይበሃሉ። ጾታዊ መንነትካ/ኪ ዝውስኖ ሰብ ባዕልኻ/ኺ ኢኻ/ኺ፣ ትራንስ ምዃንካ/ኪ ድማ ማንም ሰብ ክውስነልካ/ኪ ኣይክእልን።

ብካልኦት ቋንቋታት ዝግበር ደገፍን ሓበሬታን

Hotline friend/ሆትላይን ዓርኪ
ዕላል: ንህጻናትን ዕድመ ክሳብ 25 ዓመታት ዝኾኑ ነኣሽቱ መንእሰያትን ዝኸውን ደገፍ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ይህብ።

Women Protection Helpline/ምክንኻን ደቀንስትዮ ሆትላይን 
ቴሌፎን: ንምፍርራሕን ጭካነን ዝተቃልዓ ደቀንስትዮ ዝኸውን ሃገራዊ ናይ ሓገዝ መስመር። ኣስተጎምቲ ክቕርቡ ይከኣል። ብነጻ እዩ ከምኡ’ውን ን 24/7 ክፉት እዩ።

Femcenter/ፈምሰንተር
ቴሌፎን: ንደቀንስትዮ ዑቕባ ዝህብ ሓለዋ ዘለዎ መንበሪ ገዛ ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ደገፍ ዝህብ።

Terrafem/ቴራፈም
ቴሌፎን: ንደቀንስትዮ ዑቕባ ዝህብ ሓለዋ ዘለዎ መንበሪ ገዛ ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ደገፍ ዝህብን ጠበቃ ብቴሌፎን ክርከበሉ ዝኽእልን።

Somaya/ሶማያ
ኢመይል፣ ቴሌፎን: ንደቀንስትዮን ኣዋልድን ዑቕባ ዝህብ ሓለዋ ዘለዎ መንበሪ ገዛ ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ደገፍ ዝህብ።

Swedish Refugee Law Centre/ሕጋዊ ማእከል ናይ ስዊደናውያን ስደተኛታት
ኢመይል፣ ቴሌፎን: ኣብ ጉዳያት ዑቕባን ንስዊደን ምስዳድን ነጻ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽሪ ይህብ።

ERIN — Equal Rights Initiative Network/ማሕበር ናይ ማዕርነት መሰላት
ቴሌፎን: ወጻእተኛታት ዝኾና ደቀንስትዮን ኣዋልድን ምኽሪን ሕጋዊ ሓገዝን ዝህብ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ደስ ብዝበላ ቋንቋ ሓገዝ ዝህብ።

RFSL Support Service/ RFSL ናይ ደገፍ ኣገልግሎት
ኢመይል፣ ቴሌፎን፣ ኣኼባታት: ዓመጽ፣ ምፍርራሕን ጭካነን ኣብ ነብሶም ዘጋጠሞም ኣባላት LGBTQI ዝኾኑ ሰባት። ብቋንቋ ስዊዲሽ፣ ኢንግሊዘኛን ስፓኒሽን ወይ ድማ ምስ ሓደ ኣስተርጓሚ ደዊልካ ዝርከብ ምኽሪ።

RFSL Newcomers/ RFSL ሓደሽቲ ኣጋይሽ
ንጥፈታት፣ ሓበሬታን ምኽርን፥ ኣብ ስዊደን ኣጋይሽ ዝኾንኩምን፣ ነዞም LGBTQI — gay, lesbian, bi, trans, queer or intersex- ዝኾንኩም ዞባዊ ጉጅለታት።

Youmo/ዩሞ
ብዛዕባ ኣካላትና፣ ርክባትን፣ ጥዕናን ድሕነትን ዝምልከት ሓበሬታ ብቋንቋ ዓረብ፣ ዳሪ፣ ሶማሊ፣ ትግርኛ፣ ኢንግሊዘናን ቀሊል ስዊዲሽን።

Lämna sidan snabbt!